Overzicht van al onze informatie over corona

Deze Tigrinyaanse informatie is aangepast op 4 oktober 2022

Nederlands | Arabisch | Engels | Farsi | Oekraïens | Pools | Russisch | TigrinyaTurks

ክታበት ኣንጻር ኮሮና

ክታበት ኣንጻር ኮሮና እንታይ ማለት እዩ

ክታበት ኣንጻር ኮሮና፣ ናይ ኮሮና ቫይረስ ከይሕዘኩም ይከላኸለልኩም።
ነቲ ክታበት ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምኩም ብመርፍእ ክትቕበሉ ኢኹም።
ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ ንስኹም በቲ ቫይረስ ኣይትሓሙን ወይ ኸኣ ብዙሕ ኣይትሓሙን።

ኣብ ኣካልኩም እንታይ የጋጥም

ብምኽንያት እቲ ክታበት፣ ኣካልኩም ኣንጻር እቲ ቫይረስ ዝከላኸል ጸረ-ጓና ባእታታት ይፈጥር።
በዚ ምኽንያት ኣካልኩም ድሕሪ እቲ ክታበት ነቲ ቫይረስ የለልዮ።
ስለዚ ኣካልኩም ቀልጢፉ ነቲ ቫይረስ ክቐትሎ ይኽእል። ንስኹም ኣይትሓሙን ወይ ከኣ ብዙሕ ኣይትሓሙን።

እቲ ክታበት ንኽንደይ እዋን ኣንጻር ኮሮና ከምዝከላኸል ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ።

እዚ ውሑስ ድዩ

እቶም ክታበታት ተሰሪሖም ምስተወድኡ፣ ውሕስነቶም ንምርግጋጽ ኣብ ብዙሓት ሰባት ተፈቲኖም እዮም።
ብድሕሪኡ ብኤውሮጳዊ ተቕዋም መድሃኒታት – ኤማ [EMA]፣ ከምኡ እውን ብኤውሮጳዊ ቦርድ ግምገማ መድሃኒታት [CBG]፣ ብቚዓት ምዃኖም ጸዲቆም እዮም። ክታበት ፕፋይዘር [Pfizer] / ባዮኤንቴክ [BioNTech] ኣብ 5 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ቆልዑት እውን ተፈቲኑ እዩ።
ንዓታቶም እውን እዚ ክታበት ብቚዕ ምዃኑ ጸዲቊ እዩ።
ካብ 5 ክሳብ 12 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት፣ ብዓቐን ቆልዑት ዝተመጠነ ክወሃቦም እዩ።

ሕጂ እቶም ክታበታት ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ኣለዉ፣ ከምኡ እውን ንውሕስነቶም ብዝምልከት ቀጻሊ ቊጽጽር ይግበረሎም እዩ።

ጎድናዊ-ሳዕቤናት

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ክታበታት ዘጋጥም፣ ድሕሪ እቲ ክታበት ምልክታት-ሕማም ከጋጥመኩም ይኽእል እዩ። እዚ ጎድናዊ-ሳዕቤናት ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ንኣብነት ካብዞም ዝስዕቡ ጸገማት ከጋጥመኩም ይኽእል፡

  • ቃንዛ ኣብቲ ንኽታበት መርፍእ ዝተወጋእክምሉ ቦታ
  • ቃንዛ ርእሲ
  • ድኻም ዘለካ ምዃን
  • ቃንዛ ጭዋዳ
  • ረስኒ

እዚኦም መጠነኛ ጎድናዊ ሳዕቤናት እዮም። ንሳቶም ብብዝሒ ዘጋጥሙን፣ ከምኡ እውን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ባዕሎም ዝጠፍኡን እዮም።

ከቢድ ዝኾነ ጎድናዊ ሳዕቤን ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም። እንተኾነ ግን ነቲ ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም ኣብ ዘለዉ ሳምንታት፣ ብዙሓት ምልክታት-ሕማም እንተድኣ ኣጋጢምኩም፣ ናብ ሓኪምኩም ደውሉ።

እቲ ክታበት ንመን ዝዓለመ እዩ

ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ 5 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኡ ሰብ ክታበት ክወስድ ይኽእል እዩ።
ብኢንተርነት ብመንገዲ www.coronavaccinatie-afspraak.nl ቆጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ብተሌፎን ድማ ብመንገዲ ቊጽሪ ተሌፎን 0800 7070 ቆጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክታበታት ኣለዉ።
ኣየናይ ዓይነት ክታበት ክትቕበል ምዃንካ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ።
እቶም ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ክታበታት፣ ብቚዓት ምዃኖም ዝተፈተኑን ዝጸደቊን እዮም።

 

ነፍሰጾር

ነፍሰጾር ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ብሰንኪ ኮሮና ኣዚየን ንኽሓምማ ዝያዳ ዕድል ኣለወን።
በዚ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ ምኽሪ ይወሃበን፡ ነፍሰጾር ምስ እትኾኒ ወይ ንኽትጠንሲ ትፍትኒ ዘለኺ ምስ እትኾኒ፣ ክታበት ውሰዲ። እዚ ምኽሪ ብናይ ኔዘርላንድ ሰብ-ሞያ ሕክምና ማህጸን፣ ሰብ-ሞያ ስነ-መወልዳንን ሓካይም ቆልዑትን ዝተዋህበ እዩ።

ውሑስ
ሓካይምን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ብዛዕባ ክታበት ኣብ እዋን ጥንሲ ብዝምልከት መጽናዕቲ ገይሮም ነይሮም።
ካብቶም መጽናዕቲታት ድማ እዚኦም ዝስዕቡ ተነጺሮም፡

  • እቲ ክታበት ንነፍሰጾር ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ውሑስ እዩ
  • ንኽትጠንሲ ትፍትኒ ዘለኺ ምስ እትኾኒ፣ እቲ ክታበት ውሑስ እዩ
  • እቲ ክታበት ኣብ ከብድኺ ንዘሎ ዕሸል ውሑስ እዩ
  • እቲ ክታበት፣ ብኮሮና ኣዚኺ ንምሕማም ንዘለኪ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ከምዝኸውን ይገብሮ
  • ንሕጻን ጸባ ጡብ እተጥቡዊ ምስ እትኾኒ፣ እቲ ክታበት ውሕስ እዩ

ብዛዕባ ምኽታብ ትጠራጠሪ ዲኺ? ብዛዕብኡ ምስ ናትኪ በዓልቲ-ሞያ ስነ-መወልዳን ወይ ሓኪም ማህጸን ተዘራረቢ።

ዳግማይ ክታበት – ተወሳኺ ክታበት

ነቶም ናይ መጀመርታ መራፍእ ክታበት ናይ ኮሮና ድሕሪ ምውሳድካ፣ ኣካልካ ጸረ-ግዳማዊ ባእታታት ሰሪሑ ኣሎ።

እንተኾነ ግን ድሕሪ ገለ እዋን መጠን ብዝሒ ናይቲ ዝተሰርሐ ጸረ-ግዳማዊ ባእታታት ይንክይን፣ ከምኡ እውን እቲ ዝህቦ ምክልኻል ይጎድልን እዩ።
ነቲ ዳግማይ ክታበት ብምውሳድ ድማ ኣካልካ እንደገና ተወሳኺ ጸረ-ግዳማዊ ባእታታት ይሰርሕ።
በዚ ምኽንያት ድማ በቲ ቫይረስ ኣይትሓምምን ወይ ኸኣ ብዙሕ ኣይትሓምምን።

ንዳግማይ ክታበት ብዝምልከት፣ እቶም ክታበታት ተሓዲሶም እዮም።
ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ናይቲ ቫይረስ ምእንቲ ክከላኸሉ ድማ ተስተኻኺሎም ኣለዉ።
እቲ ዳግማይ ክታበት ምስቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ክታበታት ዝመሳሰል እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እቶም ጎድናዊ ሳዕቤናት እውን ተመሳሰልቲ እዮም።

ዳግማይ ክታበት ክትወስድ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ድማ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን።

መዓስ ዘይምኽታብ

ኣብዚኦም ዝስዕቡ ኩነታት ናብ ሓኪምኩም ደውሉ፡

  • ቅድሚ ሕጂ ሓደ ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም ሓሳስያ ማለት ኣለርጂ ገይርልኩም እንተድኣ ነይሩ ኮይኑ
  • 1መርፍእ-ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ እንተድኣ ኣዝዩ ሓያል ሓሳስያ ማለት ኣለርጂ ገይርልኩም

ኣብዚኦም ዝስዕቡ ኩነታት፣ ነቲ ክታበትኩም ናብ ካልእ ግዜ ከተሰጋግርዎን፣ ሓድሽ ቆጸራ ክትገብሩን ዝሓሸ እዩ፡

  • ኣብቲ ናይ ክታበት መዓልቲ ኣዚኹም እንተድኣ ሓሚምኩም
  • ረስኒ 38 ዲግሪ ወይ ልዕሊኡ ምስዝህልወኩም
  • ኮሮና ምስዝህልወኩም
  • መብዛሕትኡ ግዜ ኮሮና ንዘለዎ ሰብ ዘጋጥምዎ ምልክታት-ሕማም ምስዝህልውኹም
  • መርመራ ናይ ኮሮና ገይርኩም ነይርኩምን፣ ውጽኢቱ ገና ዘይፈልጥኩምን እንተድኣ ኮይንኩም
  • እንተድኣ ምስ ሓደ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ተራኺብኩም ነይርኩም ኮይንኩም

ድሕሪ እቲ ክታበት

እንተድኣ ድሕሪ ምውሳድኩም ምልክታት-ሕማም ናይ ኮሮና ኣጋጢምኩም፣ ተመርመሩ።

ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም ነቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ሰባት ንኸተመሓላልፍዎ ዘሎ ዕድል ዝወሓደ እዩ።
እንተኾነ ግን ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም እውን ነቲ ቫይረስ ንካልእ ሰብ ከተመሓላልፉሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ ነቶም ከም በዓል ኣእዳውካ ምሕጻብን መሳኹቲ ምኽፋትን ዝኣመሰሉ ሓፈሻዊ ምኽሪታት ምኽታልኩም ገና ቀጽሉ።

ሕቶታት

ብዛዕባ ምኽታብ ትጠራጠር ዲኻ፣ ከምኡ እውን ብዛዕብኡ ክትዘራረብ ትደልይ ዲኻ?
ስለዚ ናብ ቊጽሪ ተሌፎን 088-7555777 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ www.twijfeltelefoon.nl እውን ክትርእይ ትኽእል ኢኻ።

እንተድኣ ብዛዕባ ኮሮና-ቫይረስ ዝምልከቱ ካልኦት ሕቶታት ኣለዉኻ ኮይኖም፡ ናብ 0800-1351 ደውል።


Deze begrijpelijke informatie is gebaseerd op de adviezen van Rijksoverheid.nl en informatie van het CBG. De informatie is getest met taalambassadeurs van Stichting ABC.
4 oktober 2022 – versie 13

We actualiseren deze pagina zodra er een nieuwe ontwikkeling is. Meld je aan voor de contactlijst en we houden je op de hoogte over updates.

Aanmelden

Naar boven